ኣብ 2050 ቑፅሪ ዓይነ ስውርነት ብ3ተ ዕፅፊ ክዓቢ’ዩ

መቐለ ሓምለ 28/2009(ድወት)ቑፅሪ ዓይነ ስውርነት ብ3ተ ዕፅፊ ክዓቢ’ዩ ኣብ 2050 ተባሂሉ።

11.7ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ደቡብ ኤዥያ፣ 6.2ሚሊዮን ኣብ ምብራቕ ኤዥያ፣ 3.5ሚሊዮን ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤዥያ፣ ልዕሊ 4ሚኢታዊ ህዝቢ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ፣ ኣስታት 0.5ሚኢታዊ ህዝቢ ምዕራብ ኣውሮፓ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብርሃን ዓይኖም ዝሰኣኑ’ዮም።

ሓፈሻዊ ቑፅሪ እዞም ዓይነ ስውራት 36ሚሊዮን ይበፅሕ።

ንክንክንን ሕክምናን ዓይኒ ዝወሃብ ጠመተ ከምዚ ሐዚ ዘለዎ እንተቐፂሉ እዚ ቑፅሪ ኣብ 2050ዓ.ም.ፈረንጂ ብ3ተ ዕፅፊ ዓብዩ ናብ 115ሚሊዮን ክብ ከምዝብል ተመራመርቲ ዓውደ ሕክምና ይገልፁ።

ብምድፋእ ዕድመ ዝመፅእ ዓይነ ስውርነት ምክልኻል’ኳ እንተዘይተኽኣለ ክሕከሙ ብዝኽእሉ ሕማማት ዘጋጥም ዓይነ ስውርነት ግን ንጥዕና ዓይኒ ብዝወሃብ ትኹረትን ውሱን ኢንቨስትመንትን ምውጋድ ከምዝክኣል ነቶም ተመራመርቲ ጠቒሱ ቢቢሲ ፀብፂቡ።