መልእክቲ ኢንተርኔት ኣብ ብሪታንያ

መቐለ ሓምለ 28/2009(ድወት)መልእኽቲ ኢንተርነት (ኢሜይል) ኣብ ብሪታኒያ ልሙድ ንጥፈት‘ዩ።

82ሚኢታዊ ሰብ ፀጋ ዕድመ መልእኽቲ ኢንተርነት ከምዝጥቀሙን እዚ ካብ 2016ዓ.ም.ፈረንጂ ናብዚ ብ3ተ ሚኢታዊ ከምዝዛየደን ቢሮ ስታስቲክስ እታ ሃገር ገሊፁ።

ኣገልግሎትን ኣቕሓን ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ መልእኽቲ ኢመይል ምልውዋጥ 71ሚኢታዊ ብምሓዝ ኣብ 2ይ ብርኪ ዝተሰርዐ ኾይኑ ማሕበራዊ ምትእስሳር ድማ 66ሚኢታዊ ይሕዝ።

ብሞቫይል ኣቢሉ ኢንተርኔት ዝጥቀም’ውን ቁፅሩ ይውስኽ ኣሎ። ነዚ ስዒቡ ብቐጥታ ዝንበቡ ዜናታትን ጋዜጣታትን ኣብዚ ዓመት ብ4ሚኢታዊ ወሲኩ 64ሚኢታዊ በፂሑ ኣሎ፤ ኣብ 2007ዓ.ም.ፈረንጂ ካብ ዝነበሮ ድማ ብሰለስተ ዕፅፊ ወሲኹ።

ካብዚ ብዝሰገረ ብኢንተርነት ዝካየድ አገልግሎት ባንኪ ኣብቶም ዝሓለፉ 10ተ ዓመታት ካብ 30 ናብ 63ሚኢታዊ ዓብዩ ኣሎ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ። (ቢቢሲ)