ከይዲ መረፃ ኬንያ ዕውት ነይሩ ኢሉ ኢጋድ

መቐለ ነሓሰ 04/2009(ድወት) ኣብ ኬንያ ዝተሳለጠ ፕረዝደንታዊ መረፃ ሰለማዊን፣ግልፅን ኩሉ ዘሳተፈን ነይሩ ኢሉ ልምዓት በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪካ (ኢጋድ)፡፡

ብኢጋድ ንዝተመርሐ ጉጅለ ልኡክ ተዓዛቢ ዝመርሑ ኣምባሳደር ተወልደ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቱ ጉጅለ ልኡክ ኣብ ቦታታት መረፃ ተረኺቡ ከይዲ መረፃ፣ ሳናዱቅ መውሃቢ ድምፂ መረፃ ኣብ እዋኖም ብሕጋዊ መንገዲ ክክፈቱ፣ ከይዲ ቆፀራ ድምፂ ብኣግባቡ ክሳለጥን ከምዝተዓዘበ ምስክርነቶም ሂቦም።

ኣብ ከይዲ እቲ ምሃብ ድምፂ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር መሰረት ብዝገበረ መንገዲ መናእሰይ፣ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታት ናፃን ዴሞክራስያውን ብዝኾነ ኣገባብ ዘሳተፈ ምንባርውን ገሊፆም ኣምባሳደር ተወልደ።

ኣምባሳደር ተወለደ ንልኡክ ልምዓት በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪካ ኢጋድ ብምውካል ህዝቢ ኬንያ መራሕቱ ንምምራፅ ዝገበሮ ፃዕርን ዝሃቦ ድምፅን ፖለቲካዊ ውድባት እታ ሃገር ክቅበሉ ንድምፂ ህዝቢ ክብሪ ክህቡን ኣተሓሳሲቦም።