ንልዕሊ 490ሽሕ እንስሳ ዘቤት ኽታበት ክወሃብ’ዩ

መቐለ ነሓሰ 05/2009(ድወት) ንልዕሊ 490ሽሕ እንስሳ ዘቤት ብወፍሪ ክትባት መከላኸሊ ዝተፈላለዩ ሕማማት ንምሃብ ይሰርሕ ኣለኹ ክብል ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ወረዳ ወልቃይት ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ሓለዋን ክንክንን ሃፍቲ እንስሳ ኣይተ ኣሕመድ ዓብደልቃድር ከምዝበልዎ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ክትባት ዕንፍሩር ከብትን ጠለ በጊዕን፣ መከላኸሊ ሕማም ዕቡድ ከልቢ፣ ፀረ መገረምን ካልኦትን ዘካተተ እዩ ፡፡

እቲ ክትባት ኣብ ክልተ ክላስተር ተደልዲሉ ከምዝወሃብ ዝሓበሩ እቶም በዓል ሞያ ኣብ ቆላ ከባቢታት ካብ 24ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ 16 ነሓሰ 2009ዓ.ም ክወሃበ’ዩ።

ዛጊድ ድማ በቲ ወፍሪ ኣስታት 100ሽሕ እንስሳት ተኸቲበን ከምዘለዋ ገሊፆም ፡፡

ኣብ ወረዳ ወልቃይት ነቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝወሃብ ዘሎ ወፍሪ ክታበትን ብቐፃልነት ዝወሃብ ክትባት ፀረ ቫይራልን ባክተርያልን ሓዊስካ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓዱሽ በጀት ዓመት ልዕሊ 900ሽሕ እንስሳ ዘቤት እቲ ግልጋሎት ክረኽባ መደብ ከምዘሎ ድማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት፡፡