ፕረዝደንት ኢሁሩ ኬንያታ ዳግም በትረ ስልጣን ፕረዝደንትነት ጨቢጦም፡፡

መቐለ ነሓሰ 06/2009(ድወት) ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዘካየደቶ ፕረዝደንታዊ መረፃ ስዒቡ ካብ 2013ዓ.ም.ፈ ናብዚ ነታ ሃገር ይመርሑ ዘለው ፕረዝደንት ኢሁሩ ኬንያታ 54.3 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ተዓዋታይ ምኳኖም ኮምሽን መረፃን ዶባትን እታ ሃገር ዕላዊ ጌሩ፡፡

ድሕሪ እዚ ዕላዊ መግለፂ ኬንያታ ንህዝብን ተቋወምትን ሃገሮም ፃውዒት ሓድነት ኣቅሪቦም፡፡

44.7 ሚኢታዊ ድምፂ ዝረኸቡ ቀንዲ ተናሓናሒ ዝነበሩ ራይላ ኢዲንጋ ግን ካብ ፈለምኡ’ውን ተቋውምኦም ኣስሚዖም ኔሮም ሐዚ ውፅኢት ብዕሊ ምስተገለፀ’ውን ዝተዛብዐ ከይዲ ብምባል ነፂጎምዎ ኣለው፡፡

ይኹን’ምበር 9ተ ትካላት ተዓዘብቲ መረፃ ግን እቲ መረፃ ነፃ ፍትሓውን ግልፅን ምንባሩ ብምግላፅ ሚስተር ኦዲንጋ ህዝቢ ናብ ናዕቢ ካብ ምፅዋዕ ክቁጠቡ ሚዒዶም፡፡

ኣብዚ መረፃ ዝተዓወቱ ፕረዝደንት ኬንያታ ድሕሪ 2ተ ሰሙን ቃል ማሕላ ክፍፅሙ ትፅቢት ይግበር፡፡