ደምሒት ናብ ኢትዩጵያ ኣትዩ

መቐለ መስከረም 03/2008(ድወት) ዓርሱ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ዝፅውዕን ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቀስ ዝፀንሐን ደምሒት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ፡፡

እዚ ጉጅለ ልዕሊ 700 ኣባላቱ ሒዙ ብላዕላዋይ ሓላፊ እቲ ጉጅለ ሞላ ኣስገዶም እናተመርሐ ምስ ሙሉእ ዕጥቁ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ብሑመራን መተማን ኣቢሉ ብሰለማዊ ኣገባብ ምእታው ተገሊፁ፡፡

እዚ ጉጅለ ዕጡቅ ናብ ኢትዮጵያ እንትኣቱ ብሓይልታት ሻዕብያ ተከታታሊ ፈተና ተኩስን ገጢምዎ’ኳ ተነበረ ንዓዓቶም እናመከተ ብሰላም ናብ ሃገሩ ከምዝኣተወ ተገሊፁ፡፡

ደምሒት ብመተሓባባራይነት ሻዕብያ ግንቦት 7ተ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ክፍፅም ምፅንሑ ይዝከር፡፡